Fana: At a Speed of Life!

ቱሪዝም ንዕብየት ሃገር ዘለዎ ኣበርክቶ ብዝበለፀ ዘዕብዩ መርሃ ግብሪታት ገበታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪታት ገበታ ንሸገር፣ ገበታ ንወለዶ ዝህነፁ መባፅሕ ቱሪዝም ኣብቲ ዓውዲ ንኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ኣበርክቶ ብዝበለፀ ዘዕብዩ እዮም ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፡፡
እተን ሚኒስትር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ መበል 17 ካብ ኣባላት ንዝቐረበለን ሕቶታት ኣብ ዝሃበኦ መብራህርሂን መልሲን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ቱሪዝም ንምምዕባል ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢረን።
መንግስቲ ቱሪዝም ሓደ ካብ ዓንዲ ኢኮኖሚ ብምግባር ልምዓት መዳረግቲ ቦታታት ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ እናካየደ ከምዝርከብ ተዛሪበን፡፡
ብፍላይ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተበገሰ ፕሮጀክትታት ገበታ ንሸገር፣ ገበታ ንሃገርን ገበታ ንወለዶን ብዙሓት ናይ ቱሪዝም ቦታታትን መዳረግቲ ምህናፆም ሓቢረን፡፡
እዞም ስራሕቲ ልምዓት ነቲ ዓውዲ ንኢኮኖሚ ሃገር ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብዝበለፀ ዘዐቢ ምዃኑ ገሊፀን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.