ቻይና ዝተሳኸዐ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰኔ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባሕሪ ሓይሊ ቻይና ካብ ኒውክሌር ሰርጓጅ መርከብ ናብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ነዊሕ ርሕቀት ዘለዎ ባላስቲክ ሚሳኤል ብዓወት ከምዝፈተነ ኣፍሊጡ።
እቲ ፈተነ ሚሰኤል ቻይናን ሩስያን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኪንግዳኦ ዓመታዊ ሓባራዊ ልምምድ ባሕሪ ሓይሊ ክጅምራ ኣብ ዝነበረ እዋን ከም ዝተኻየደ ተገሊፁ።
ቅድሚ እቲ ፈተነ ቻይና ንሃገራት ምብራቕ እስያን ዞባ ፓስፊክን ብዛዕባ እቲ ፈተና ኣቐዲማ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበት ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ።
ውሃቢ ቃል ባሕሪ ሓይሊ ቻይና ዋንግ ሹመንግ፤ እቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣብ ዓለም ለኸ ባሕሪ ፓስፊክ ውቅያኖስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ብትኽክል ከም ዝዓረፈ ኣረጋጊፆም።
እቲ ፈተነ ክፋል ናይ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ቻይና ምዃኑ ብምግላፅ፤ እተን ዝምልከተን ሃገራት እቲ ዞባ ኣቐዲመን ክፈልጣ ከም ዝተገብረ ተዛሪቦም።
ቤጂንግ ሎሚ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ብዓወት ዘካየደቶ ፈተነ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ባላስቲክ ሚሳኤል፣ ኣብ መስከረም 2024 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፈተነ ዝቐፀለ እዩ።
ብእመቤት ሲሳይ