ኢትዮጵያን ባንግላዲሽን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ባንግላዲሽ ካሊሉር ራህማን (ዶ/ር) ተዛትዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘትኦም ኣብ ክልተኣውን ብዙሕነታውን ዝምድናታት ምትሕብባር ዘለዎም መዳያት ዘትዮም።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላ ኣመልኪቶም።
ኩባንያታት ባንግላዲሽ መንግስቲ ትኹረት ኣብ ዝሃቦም ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ መፈልፈሊ፣ሕርሻ መቀነባሪን፣ ናውቲታት መድሃኒትን ሕክምናን ወፍሪ ክገብሩ ሓቲቶም።
ካሊሉር ራህማን (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ዝምድና ብፍላይ ኣብ መዳያት ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ዝያዳ ንምጥንኻር ዘለዋ ተወፋይነት ገሊፆም ይብል ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ።