ኢትዮጵያን ኒውዚላንድን ክልተኣዊ ስምምዕ ተበፃሕነት ዕድል ዕዳጋ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ምስ ኒውዚላንድ ኣብ ክልተኣዊ ስምምዕነት ፕሮቶኮል ዕድል ዕደጋ ተፈራሪመን።
ኣብ ጄኔባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ንግዲ ዓለም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ኢትዮጵያ ትካል ንግዲ ዓለም ኣባል ንምዃን እትገብሮ ከይዲ ዓብዩ ምዕራፍ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣብ ጄኔባ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ስዊዘርላንድን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጱያ ኣምባሳደር ፀጋብ ከበበው ምስ ቀዋሚ መልእኽተኛ ኒውዚላንድን ኣብ ትካል ንግዲ ዓለምን ምኽሪ ቤት ኣካቢ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንግዲ ዓለምን ኣምባሳደር ክሌር ኬሊ ዝተፈረመ እዩ።
ኣምባሳደር ፀጋብ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምኡ እውን ግሉፅን ሕግታት መሰረት ዝገበረ ብዙሕነታዊ ስርዓተ ንግዲ ንምድጋፍን ዘለወን ሓባራዊ ተወፋይነት ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም።
ኣምባሳደር ክሌር ኬሊ ብወገነን በቲ ዝተረኸበ ዓወት ከምዝተሓጎሳብ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣባል ንክትኾን ኒውዚላንድ እትገብሮ ሓገዝ ክትድግፍ ምዃና ኣረጋጊፀን።