ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ኣብ ዘዕብዩ ሓደሽቲ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ንግዲ ኣሜሪካ ማርክ ሚሼል ተዛቲዮም፡፡
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ኢኮኖሚ እተን ሃገራት ዘዕብዩ ሓገደሽ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ምስፋሕ ኣብ ዝከአለሎም ጉዳያን ኣልዒሎም፡፡
ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ተግባራዊ ኣብ ዘገበረቶ መሰረታዊ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ዝተመዝገቡ ቁልፊ ዓወታት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡
እቲ ሃገራዊ መመሓየሺ ንዘፈር ውልቀን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ብምሕባር፥ መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳራይነት ንምጥንኻር፣ ምንቅስቓሳት ንግዲ ንምምሕያሽን ንወፃኢ ኣልማዕቲ ንምስፋሕን ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡
ማርክ ሚሼል ብግደኦም ኢትዮጵያ ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ከምኡ እውን መንግስቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንምምሕያሽ እናወገነቶም ዝርከቡ ፃዕሪታት ንኢዶም፡፡
ምትእስሳር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምሕባር፥ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ንኸዕበዩ ትካሎም ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡
ሓበራዊ ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግጡን ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምስፋሕ ዘኽእሉ ልዝባት ንምግባር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመልክት፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ