Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ስግግር ሉኣላዊነት ሃገር ብዘላቒነት እነረጋግፀሉ ወሳኒ ወሳኒ ዓንዲ እዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ስግግር ብቁፅሪ ካብ ዝግለፅ ኢኮኖሚ ንላዕሊ ድልየት ሃገራዊ ሉኣላዊነት ብዘላቒነት እነረጋግፀሉ ወሳኒ ወሳኒ ዓንዲ እዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ዘውፅኦ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ስግግር ካብ ሉኣላውነት ፍርያት ናብ ቴክኖሎጂ ልዕልና!
ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ስግግር ብቁፅሪ ካብ ኣድላይነት ብዝሒ ኢኮኖሚ ዕብየት ንላዕሊ ብዘላቒ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነት ንምርግጋፅ ወሳኒ ዓንዲ እዩ።
መንግስቲ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ከም ‘ልቢ ሉኣላውነት’ ገይሩ ብምቕራፅ፣ መሰረታዊ ድሌታትና ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕምና ብምሽፋን ካብ ግዳማዊ ፅግዕተኛነትን ነፃ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ኢኮኖሚ ናፅነት ንምህናፅ ብዓብዩ ቆራፅነት እናሰርሐ ይርከብ፡፡
እዚ መዋቕራዊ ለውጢ ንብድሆታት ናብ ስትራተጂካዊ ዓወታት ብምቕያር ልኡላውነት ኢትዮጵያ ብኣድማዒ መንገዲ የረጋግፅ ኣሎ።
እቲ ዝጀመርናዮ ሰፊሕ ስግግር ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ልዑል ቴክኖሎጂ በዓል ዋናነት ምዕራፍ ዝተሰጋገረ እንትኾን፤ እዚ ድማ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምህርቲ ንምዕባይ ዘለዎ ፅኑዕ መርገፂ ብንፁር ዘርኢ እዩ።
ኣብ ሃዋሳ፣ ደብረብርሃን፣ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ፋብሪካታት ምፍራይ ሶላር ሴል ዓመታዊ ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ብምእካብ፣ ሃገርና ካብ ምፍራይ ቀለልቲ ኣቑሑት ናብ ምፍራይ ምዕቡል ፍርያት ቴክኖሎጂ ከምዝተሰጋገረት ብውፅኢታዊ መንገዲ ኣረጋጊፅና።
ነዚ ዕላማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምዕዋት ኣንፈት ልምዓት ኢንዳስትሪ ፓርክታት ልምዓት ካብመሰረቱ ዝቐየረ ኮይኑ፤ መንግስቲ ካብ ብዝሒ ናብ ስትራተጂካዊ ፅሬት ዝሰጋገር ሓዱሽ ፖሊሲ ሓንፂፁ ናብ ተግባር ኣትዩ፡፡
በዚ መንገዲ ትኹረትና ኣብ ክንዲ ተራ ሸድታት ምብዛሕ ልዑል ኢኮኖሚ ረብሓ ዘለወንን ቴክኖሎጂ ስግግር ዘምፅኡ ስትራተጂካዊ ኩባንያታት ኣብ ምስሓብ ዘነጣጠረ እዩ።
እዚ ሓዱሽ ኣንፈት መንእሰይ ወለዶ ብቴክኖሎጂ ምዕቡል ህዝቢ ብምግባር ኢትዮጵያ መሻርኽቲ ልምዓት ኣብ ሰንሰለት ማኑፋክቸሪንግ ብዓለም ለኸ ተወዳዳሪትን መተካእታ ዘይብሉ ይገብራ ኣሎ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.