Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ከምኡ እው ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡

እቶም ትካላት ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ መፈልፈሊ ሓይሊ ቆቃ እዮም ኣካይዶምዎ።

በዚ ድማ ከም ኣቮካዶ፣ ፓፓያን ካልኦት ንውሕስና ምግቢ ዝሕግዙ ፈልሲታትን ተኺሎም።

መሰል ስራሕ ኢትዮጵያ ንዝሓዘቶ ርእሳ ብምግቢ ምኽኣልን ካብ ተሓጋዛይነት ንኽትወፅእን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተሳቲፎም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.