ኣብ ማራቶን ሞሮኮ ራባት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ራባት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ብዓብላልነት ተዓዊቶም፡፡
ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ቦኪ ዲሪባ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 52 ሰኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ፡፡
ኣትሌት ቶልቻ ተፈራ 2 ሰዓት 8 ደቒቕን 27 ሴኮንድን ብምእታው 2ይ ከምኡ እውን ኣትሌት ጫሉ ዴሶ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዘዚሞም፡፡
ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ኣለምፀሃይ ኣሰፋ 2 ሰዓት 25 ደቒቕን 3 ሴኮንድን ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ፡፡
ኣትሌት መሰረት ኣበባየውን ኣትሌት ስራነሽ ይርጋን ድማ 2ይቲን 3ይቲን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን፡፡
ኣትሌት ጌጤ ጁካለ 5ይቲ ከምኡ እውን ኣትሌት ኩሊ ጪምዴሳ 6ይቲ ብምውፃእ ውድድረን ዛዚመን፡፡