Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ሰላምን ፀጥታን ንምጥንኻር ምትሕብባር ፖሊስን ህዝቢን ክዓቢ ይግባእ – ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ሰላምን ፀጥታን ብዘላቕነት ንምሕላው ዓቕሚ ትካል ፖሊስ ምጥንኻርን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ምዕባይን የድሊ ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ እታ ከተማ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ከተማ መቐለ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ንምምሕያሽ፣ ኣሰራርሓ ፖሊስ ንምጥንኻርን ንህዝቢ ዝሐሸ ኣገልግሎት ፀጥታ ንምቕራብን ኣብ ዝሕግዙ ቀፀልቲ ኣንፈታት ብምድሃብ ምስ ኣባላት ፖሊስ እታ ከተማ ተዛቲዩ።

ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለፁዎ፤ ጉዳያት ፀጥታ ብዝተዋደደ መገዲ ንምፍታሕ ምትሕብባር ፖሊስን ነበርቲ እታ ከተማን ክጠናኸር ይግባእ።

ሰላምን ፀጥታን እታ ከተማ ምሕላው ሓላፍነት ፖሊስ ጥራሕ ዘይኮነስ ተሳትፎ ሕብረተሰብ እውን ዝሓትት ሓባራዊ ተግባር ምዃኑ ኣልዒሎም።

ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኮሎኔል ገብረዮሃንስ ኣባተ ብወገኖም፤ ፀገማትን ሕቶታትን ህዝቢ ብቐረባ ብምርዳእ፣ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ፀገማት ፀጥታ ኣቐዲምካ ምክልኻል የድሊ ኢሎም።

ኩነታት ፀጥታ እታ ከተማ ንምምሕያሽ ካብ ዝሓለፉ ፈተንቲ ኩነታት ተሞክሮ ምውሳድ፣ ዓቕሚ ስራሕ እቲ ትካል ምጥንኻርን ዳግም ተመሳሰልቲ ፀገማት ከይፍጠሩ ስርዓት ምክልኻል ምዕባይን ከም ዘድሊ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣስታት 80 ሚእታዊ ኣባላት ፖሊስ ናብ ስርሖ ቦታኦም ብምምላስ ሰላምን ፀጥታን ነበርቲ እናሓለዉ ይርከቡ።

እዚ ድማ ዓቕሚ ስራሕ ትካል ፖሊስ ናብ ምሉእ ኩነታት ንምምላስን ፀጥታ እታ ከተማ ንምጥንኻርን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዘመልክት ምዃኑ ተገሊፁ።

ብግዛቸው ግርማዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.