Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፅዋዕ ዓለም ንፈላማ እዋን እትሳተፍ ኬፕ ቨርዴ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ምድብ ፈላሞት ፀወታታት ኣሜሪካ፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘሰናደአኡ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ።
ኣብ ምድብ 8 ብምምዳብ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ንፈላማ እዋን እትሳተፍ ኬፕ ቨርዴ ምስ ስፔን ሎሚ ሰዓት 1፡00 ክትጋጠም ኢያ።
ስፔን ብመሰረት ትንተና ኦፕታ ሎሚ ዘበን ዝካየድ ፅዋዕ ክትዕወት ኢያ ዝብል ቅድመ ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ።
ኣብ’ዚ ምድብ እትርከብ ሱዑዲ ዓረብ እውን ምስ ዩራጋይ ለይቲ ሰዓት 7 ፀወታኣ ከምእትገብር እቲ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ ይሕብር።
ኣብ ምድብ 7 ዝተመደባ ቤልጂየም ምስ ግብፂ ምሸት ሰዓት 4፡00 ከምኡ’ውን ኢራን ምስ ኒውዚላንድ ለይቲ ሰዓት 10፡00 ፀወተአን ክገብራ ኢየን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.