ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ማእኸል ስሕበት ምዃና ተረጋግፅ ኣላ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ ንዓለምለኸ ኮንፈረንስ ማእኸል ስሕበት ምዃና ተረጋግፅ ኣላ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ምስ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ ዶክተር ዦን ካሴያ ዘተ ኣካይደን።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ 5ይ ጉባኤ ጥዕና ዓለም ለኸ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ኣቀባብላ ነበርታ፣ ከምኡ እውን ሰላማ ዘረጋገፀት ከተማ ብምዃና ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ዋዕላታት ንምክያድን ምእንጋድ ምችውቲ ከተማ ኮይና ምህላዋ ገሊፀን።
ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስትራት፣ መራሕቲ ሕብረተሰብ ጥዕና፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ተመራመርትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝሳተፉ ሓቢረን።