Fana: At a Speed of Life!

ዕላዊ ዲጂታል ገፃት ጉባኤ ኮፕ32–ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ እተሰናድኦ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ (ኮፕ32) ዕላዊ መርበብ ሓበሬታታት ማሕበራዊ ሚድያ ገጻት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ዝተኸፈቱ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚድያ ገፃትን ኮፕ32 ብምክትታል፣ ፅፁዝተረጋገፀን እዋናዊን ሓበሬታ ምርካብ ከምዝከኣል ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ነዚ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምስንዳእ እትገብሮ ፃዕሪ ኣካል ጉዕዞ ንኽኾኑ ንህዝቢ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ህዝቢ ነቶም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ብሕታዊ ዕላዊ ገፃት ኮፕ32–ኢትዮጵያ ጥራሕ ክከታተልን ብተመሳሳሊ ስም ካብ ዝተኸፍቱ ናይ ሕሶት ገፃት ጥንቃቐ ክገብርን ኣተሓሳሲቡ።

ኣምሓርኛ፡-

እንግሊዘኛ፡

#COP32 #COP32Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.