Fana: At a Speed of Life!

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኮንጎን ኣንጎላን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮንጎ ኮንስታንት ሰርጌ ቡንዳን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላ ኣንቶኒዮ ቴቴን ተዛቲዮም።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኮንጎ ኮንስታንት ሰርጌ ቡንዳ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣብ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻልን ምፅዋርን ክሌማዊ ለውጢ ብሓባር ክሰርሑሉ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ተዘራሪቦም።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ብኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክጠናኸር ከም ዘለዎ ተሰማሚዖም።

ብተመሳሳሊ ጌዲዮን (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላ ኣንቶኒዮ ቴቴ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ትኹረት ገይሮም።

ብፍላይ ኣሰራርሓታት ሕብረት ኣፍሪካ ንምጥንካር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ።

እቲ ዘተ ጎኒ ንጎኒመበል  49 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.