Fana: At a Speed of Life!

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞዛምቢክ ተዛቲዮም

አዲስ አበባ፣ ሚያዚያ 19፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞዛምቢክ ማሪያ ማኑኤላ ሉቃስ ተዛቲዮም።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ክልቲአን ሃራት ብኣምር ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝተቓነየ ፍሉይ ርክብ ከምዘለወን ብምሕባር፥ ናይ ነዊሕ እዋን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ጭቡጣት ኣብ ዝኾኑ ዓውዲታት ምትሕብባር ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

ማሪያ ማኑኤላ ሉቃስ ብግደአን ሃገረን ኣብ ተሞክሮታት ልምዓት ኢትዮጵያ ልምዲ ንምቕሳምን ንምልውዋጥን ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሓቢርካ ምስራሕን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ድሉዋት ኢና ምባለን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.