ፀወታታት ምድብ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ዘሰናድእኡ ፀወታታት ምድብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ካናዳን ኣሜሪካ ፈላማይ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ኣብ ምድብ ክልተ እትርከብ ካናዳ ምሸት ሰዓት 4፡00 ምስ ቦስኒያ ክትራኸብ ኢያ።
ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዘላ ኣሜሪካ ድማ ለይቲ ሰዓት 10፡00 ምስ ፓራጓይ ከምዝጋጠም እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕብር።
ትማሊ ኣብ መኽፈቲ ፀወታ ዝተራኸባ ሜክሲኮን ደቡብ ኣፍሪካን 2 ን 0፣ ደቡብ ኮሪያ ምስ ቼክ ሪፐብሊክ 2 ን 1 ምፍልላየን ይዝከር።