ፌዴራል ፖሊስ ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ይሰርሕ ኣሎ – ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖሊስ ፌዴራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥንን ዘበኑ ብዝጠልቦ መልክዑ ተግባራዊ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ትግበራ ሪፎርም እናካየደ ዘሎ እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ገበን ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ጥንኹር ቁመና ተሃኒፁ ኢሎም፡፡
እዚ ስዒቡ ምስቲ ዝቕየር ዘሎ ኩነታትን ዲጂታላዊ ዓለምን ማዕረ ክኸየድ ኣኽኢልዎ እዩ ኢሎም።
ፌዴራል ፖሊስ ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መንገዲ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስግረ ዶብ ገበናት ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ብኣመለወርቅ ደምሰው