ፓርቲ ብልፅግና ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ንምፍፃም ቆራፅ እዩ – ኣቶ ፍቃዱ ተሰማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ንጥፈታት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ መዛዘሚ መድረኽ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅናን ሓላፊ ዘፈር ውዳበን ፍቃዱ ተሰማ ከም ዝበልዎ፤ ኣብቲ መረፃ እቲ ፓርቲ ዘቐመጦም ሽቶታቱ ኣዐዊቱ።
ኣመራርሓ ትካላት ፌደራል መረፃ ብምውህሃድ፣ ኣብ ክትዓት ብንጥፈት ብምስታፍ፣ ንክልላት ብምድጋፍ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣመራርሓታት፣ እቲ ፓርቲ ዕላማታቱ ንኽወቅዕ ኣብ ምሕጋዝ ዝገበርዎ ንጡፍ ተሳትፎ ልዑል ምዃኑ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ህዝቢ ንሰላም፣ ልምዓት፣ ንምጥንኻር ዲሞክራሲ ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኣየሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብኣንዱዓለም ተስፋዬ