Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፍሪታወን ቀጥታ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፍሪታወን ቀጥታ በረራ ጀሚሩ። እቲ በረራ ኣብ ሰሙን 3 ጊዘ ዝካየድ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፥ እቲ በረራ ንኣፍሪካ ብኣየር ትራንስፖርት ንምትእስሳር…

ወኪላት ክፋላት ሕብረተሰብ ኣጀንደኦም ኣብ ቃለ ጉባኤ ይውድቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወኪላት ክፋላት ሕብረተሰብ ኣጀንደኦም ኣብ ቃለ ጉባኤ ይውድቡ ኣለዉ። ካብ ኩለን ወረዳታት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ 11 ክፋላት ማሕበረሰብ ዝወከሉ ልዐሊ 2 ሺሕ ተሳተፍቲ ካብ 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ…

ውሕመ ንኢሜግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ዝገብሮ ደገፍ ክቕፅል ኢየ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኢሜግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ንዝገብሮ ምዝገባ ስቪል ዝህቦ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት ብዳይሬክተር ፈንድ ልምዓት ህፃናትን ሓለዋ ህፃናትን ውሕመ ሺማ ሰን…

መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መረፃ፣ ምገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣዋጅ ስነ ምግባር ምርጫን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር  12፡36፡73 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ሓጎስ፥ ኣብ ታሪክ ናይ ኩሉ ግዘ ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ምምዝጋቡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም…

ናይ ሕሶት ሰነድ ዘዳሉ ውልቀሰብ ብመሓዝ ምርመራ እናፃረየ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕሶት ሰነድ ዘዳሉ ውልቀሰብ ብመሓዝ ምርመራ እናፃረየ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ጉለሌ 17 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብታ ክፍለ ከተማ ወረዳ 2 ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እቲ ውልቀሰብ ብዝተገበረ ብርበራ 29…

ሕብረተሰብ ካብ ተግባር ገበን ምጭብርባር ንኽጥንቀቕ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ካብ ተግባር ገበን ምጭብርባር ንኽጥንቀቕ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣተሓሳሲቡ፡፡ እቲ ኣገልግሎት “ሓደ ሓደ ውልቀሰባትን ተግባር ገበን ፈፀምቲን ዝተፈላለየ ምስሊ ዘለዎም ገበናት ብምፍፃም ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ንምርካብ ምንቅስቓስ…

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ምዕራፍ ዘተ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ምዕራፍ ዘተ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት 21 ግንቦት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 2 ሺሕ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምውካል ዝሳተፉ ተሳተፍቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተረኺቦም ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዕራፍ ዘተ ጀሚሮም፡፡ ካብ 21…

ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ሲያልኮት ፓኪስታን ዓለባታት ስፖርት ንምፍራይ ስምምዕነት ፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ሲያልኮት ፓኪስታን ኣብ ብወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ ደረጀኦም ዝሓለዉ ዓለባታት ስፖርት ንምፍራይ ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና…

ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ መበል 21 ኣኼባ ሚኒስትራት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ መበል 21 ኣኼባ ሚኒስትራት ኣሳሊጡ። ፕሮጀክትታት እቲ ኢኒሼቲቭ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ ቀጣናዊ በዓልዋናነትን ምትሕብባርን ምጉልባት ኣብ ዘኽእሉ…