Fana: At a Speed of Life!

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዴሞክራሲያዊን ኣሳታፊን ብዝኾነ መልክዑ ተኻይዱ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ

ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዴሞክራሲያዊን ኣሳታፊን ብዝኾነ መልክዑ ተኻይዱ ኢሉ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ፡፡

እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ከይዲ መሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምዝዛሙ ኣመልኪቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ እቲ ቤት ምኽሪ፤ መረፃ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ኣድላዪ ክትትል እናገበረ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ማሩ ጃኔ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ነበርቲ እታከተማ ብዕቱብ ወፂኦም ኣብቲ መረፃ ብምስታፍ ዝደለዩዎ ፓርቲ ብናፅነት መሪፆም፡፡

ኣብቲ ከይዲ መረፃ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ኣረጋዊያን፣ ጉደኣት ኣካል ብሓፈሻ ነበርቲ እታ ከተማ ብፍፁም ጨዋነት ኣብቲ መረፃ ብንቕሓት ከምዝተሳተፉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ከይዲ መረፃ ኣብታ ከተማ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምፍራስ ፀፅታ ይኹን ጥሕሰት ሕጊ እንተየጋጠመ ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ኣብታ ከተማ ዝተርኣየ ዕዉት ሃዋህው መረፃ ኣዲስ ኣበባ ሞዴል ስርዓት ዴሞክራሲ ክትሃንፅ ከምትኽእል ብተግባር ዘርአየትሉ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.