ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣገልግሎት ጥዕና ጠሚቱ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝተውሃበ መግለፂ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ንማኽበረሰብና ጥሬቱ ዝሓለወን ፍትሓዊን ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ፖሊሲ ጥዕናን ስትራቴጂን ብምሕንፃፅ በዓል ዋናነት ሕብረተሰብ ብዘረጋገፀ መልክዑ ስራሐቲ ብትኹረት እናወገነ ከምዝኾነ ናይ ኣደባባይ ሓቂ ኢዩ።
ምኸንያቱ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋንን ብዝኾነ ኩነታትን ክቋረፁ ካብ ሞንጎ ዘይብሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓደ ኣገልግሎት ጥዕና ብምዃኑ፤ ብምዃኑ ድማ ሎሚ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ከም ወትሩ ስሩዕ ኣገልግሎታት ጥዕና ንማሕበረሰብና ብዘይ ዝኾነ ምቁርራፅን ምትእጉጓልን እናተውሃቡ ይርከቡ፡፡
እዚ ዝተረደአ በዓል ሞያ ጥዕና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝጋውሑ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ፅዕንቶ እንተይተደፋፍአ ዝኣተወ ቃል ኪዳን ሞያን ማሕላን ሓሊዩ ማሕበረሰቡ እናገልገለ ብምዃኑ ምስጋና ይግበኦ፡፡
ይኹን እምበር ሒደት መምሀሪ ኮሌጃት/ትካላት ጥዕና ኣብ ስሩዕ መኣዲ ስራሖም ዘይተረኸቡ ዝተወሰኑ ሰብ ሞያ ከምዘለዉ ሓበሬታታት በፂሖምና ኢዮም፡፡ ካብ ሞንጎ እዞም ሰብ ሞያ ጥዕና መብዛሕተኦም ብናይ ሕሶት ሓበሬታ ዝተደናገሩ እንትኾኑ ውሑዳት ድማ ጥፍኣት ዒላማ ዝገበሩ ኢዮም።
እቲ ተግባር ናይ ርእስኻ ቤተሰብ፣ ዘመድ፣ ወገንን መላእ ማሕበረሰብን ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ብመንፅር ስነ ምግባር ሞያ፣ ሰብኣዊነትን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ኢዩ።
ብመንፅር ሕጊ እውን በዓል ሞያ ጥዕና ስራ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ካብ ሞንጎ ዘይግበረሎም ዓውዲታት ስራሕ ሓደ ከምዝኾነ ብግልፂ ተደንጊጉ ኢዩ። ሰብ ሞያ ጥዕና ሕቶ እኳ እንተሃሊዩዎም ኣብ መኣዲ ስረሐኦም ብምርካብ ስሩዕ ስረሖም እናወገኑ ጉዳዮም ንዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
ብምዃኑ ድማ እዞም ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ መኣዲ ስረሖም ብምምላስ ማሕበረሰቦም ንኸገልግሉ በቢትካሎም ፃውዒት ተገይሩሎም ኣሎ።
መንግስቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘላቒ ተረባሕ ብዝረጋገፀ መልክዑ ኣብ መፅናዕቲ ተመርኮሰ መፍትሒ ንመሃብ ቅድም ኢሉ ኣዋጅ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ኣገልግሎት ጥዕና ቁፅሪ 1362 /2017 ብምፅዳቕ ደምቢን መምርሒታትን ብምውፃእ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ።
ሰናይ ህሊና ዘለዎም ሰብ ሞያ ጥዕና እዚ ብምግንዛብ ስረሖም ብግቡእ ንኸካይዱ ሚኒስቴር ቤት ዕዮና በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒት የቕርብ።
ብካሊእ መዳይ ድማ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብዝጋውሑ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት እንተይተረበሸ ዝደልዮ ኣገልግሎት ጥዕና ብዝተለመደ መልክዑ ኣብ ትካላት ጥዕና ክረክብ ከምዝኽእል ነፍልጥ።
መንግስቲ ብትዕግስቲ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘርአዮ ትዕግስቲ ንጎኒ ብምባል ኣብ መኣዲ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዘይተረኸቡ ከምኡ እውን ኣብቲ ትካል ጥዕና ይኹን ካብቲ ትካል ወፃእ ህውከትን ናዕቢን ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣድላዪ ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰድ ኣቐዲምና ነፍልጥ፡፡
ሚኒስቴር ጥዕና