Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ሕዲት ዓመታት ርኡይ ውፅኢት ተመዝጊቡ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ርኡይ ውፅኢት ምምዝጋቦም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓድሽ ዓለም ለኸ ማእከል ኮንቬንሸን ብዕሊ ከፊቶም።

ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ግሁድ ንምግባር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ብምሕባር÷ እዚ ድማ ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ሓንፂፁ ብምትግባር ዓውዲ ዲጂታል ፈጠራ ባህሊ ንምጉልባት ምኽኣሉ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ህንፀት ኢኮኖሚ ንኣፍሪካ ከም ኣብነት ዝኸውን ኣቕሚ ንምሕናፅ ጠመተ ሂባ እናሰርሐት እያ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ተለዋዋጢ ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምህናፅ ኩለመዳያዊ ደሕንነትን ዝተማልአ ሉኣላውነትን ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዲጂታል ስርዓተ ክፍሊት ተግባራዊ ምግባራ ስርዓት ፋይናንስ ብምቅልጣፍን ተበፃሒን ክኸውን መስርሑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ኤክስፖ ብዙሓት ዓለም ለኸ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለወን ብዙሓት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ከምዝተሳተፋ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.