ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ መሪሕ ሃገር ትኸውን ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ስራሕቲ መማዕበሊ ክእለትን መሪሕ ሃገር ትኸውን ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ንምዕባለን ምትሕብባርን ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ተሳቲፎም።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣፍሪካ ብሃገር ቦቆል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተመርሐ ሓቛፊ መዕባለ ብምምፃእ ናይ ኣጀንዳ 2063 ሸቶታት ንምዕዋት ትሰረሕ ከምዘላ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ እውን ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ስራሕቲ መማዕበሊ ክእለትን መሪሕ ሃገር ትኸውን ከምዘላ ኣብሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስት፣ ዲጂታል መለለዪ ማንነት፣ ናይ ሓሙሽተ ሚሊየን ኮደርስ ስልጠና ሕልምታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ናብ ጭቡጥ ለውጢ ዝቕይሩ ኢዮም።
ኣፍሪካ ኣብ 2030 ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብስነ ምግባርን ሓቛፊ መትከልን ብብርኪ ኣህጉር ክትሃንፆ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።