ናህሪ ዋጋ ናብ 14 ሚኢታዊት ምንካይ ተኻኢሉ-ብሄራዊ ባንኪ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣብ ‘ዚ ባጀት ዓመት ናህሪ ዋጋ ናብ 14 ሚኢታዊት ምንካይ ተኻኢሉ ኢሎም።
ኣይተ ማሞ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 11 ኣዋረሕ ብሄራዊ ባንኪ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ፕላን፣ ባጀትን ፋይናንስን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም።
ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ዝተግበሮ ጥቡቕ ፖሊሲ ገንዘብ ናህሪ ዋጋ ምቕናስ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ብጥቡቕ ፖሊሲ ገንዘብ ኣብ ‘ቶም ኣዋርሕ ንመንግስቲ ዝወሃብ ዝነበረ መጠን ልቓሕ ናብ ዜሮ ምውራድ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
እቲ ባንኪ ውፅኢት ካብ ዘመዝገበሎም ዓውዲታት ምምሕዳር ሸርፊ ወፃኢ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብመሰረት እዚ ኣብ መንጎ ተመዓዳዳዊ ዕዳጋን ሸርፊ ወፃኢ ባንኪታትን ዝነበረ ኣፈላላይ ምፅባብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።
ብሄብሮን ዋልታው