ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ቁልፊ ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ቁልፊ ግደ ኣለዎ ኢሉ ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት፡፡
“ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ መድረኽ ትሩፋት ለውጢ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ሓላፊ ክፍሊ ሕጊን ፖሊሲን እቲ ፕሮግራም ገብሬላ ኣብርሃም፤ “ደቂ ኣንስትዮን ብሄራዊ መለለዪ መንነትን” ብዝብል ርእሲ መበገሲ ሓሳብ ዘተ ኣቕሪበን፡፡
ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል እተን ሓላፊት ኣብቲ እዋን ተዛሪበን።
ኣብ ለውጢ ዓመታት ንዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንኩለመዳይ ሃገራዊ ዕቬትን ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ንመሃብን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣልዒለን።
ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ቁልፊ ግደ ከምዘለዎ እውን ኣልዒለን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!