ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ይድግፍ – ቱርክሜኒስታን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቱርክሜኒስታን፥ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ይድግፍ ኢየ ኢላ፡፡
ተቐማጥነቶም ኣብ ፓኪስታን ብምግባር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርከሜኒስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ራሺድ ሜሬዶቭ ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ጀማል (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ብዝተሓላለኸ ሽርሒ ምኽንያት ዝሰኣነቶ ዋንነት ታሪኻዊን ተፈጥሮኣዊን በሪ ባሕሪ ዳግም ንምርካብ እናሰርሐት ትርከብ፡፡
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ካብ ሃገራዊ ረብሓ ሓሊፉ ንዞባዊ ውህደት፣ ልምዓትን ድሕንነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ዓለም ለኸ ሕጊታት መሰረት ብምግባር ንምኽባር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብበዝሒ ህዝቢ ዛዓበየት በሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ናይ ጂኦግራፊ እስርቲ ኮይና ክትነብር ከምዘይብላ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ራሺድ ሜሬዶቭ ብግደኦም÷ ቱርክሜኒስታን ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምትካፈልን ከምትድግፍን ኣረጋጊፆም።
ቱርክሜኒስታን ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ኣድላዪን ሕድሕድ ሃገር በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ኣለዋ ኢላ ከምተኣምን ምግላፆም እቲ ኤምባሲ ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!