ኢትዮጵያ ድሕሪ 100 ዓመት ናብ ዕዳጋ ስቶክ ዝተመለሰትሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኢትዮጵያ ድሕሪ 100 ዓመት ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ስቶክ ተመሊሳ ኢሉ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ።
እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍራዪ ወርቂ ዝተዋፈረ “ኣኮቦ ማዕድናት ኩባንያ” 7 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ብፅሒት ብምዕዳግ ፈላማይ ዓለም ለኸ ኢንቨስትመንት ዕድጊት ምፍፃሙ ገሊፁ።
ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዘመሓድር ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ዕድጊት ካብ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳርነቱ ንምዕባይን መበገሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ብብርኪ ዓለም ኢንቨስትመንት ንምውፋር ኢትዮጵያ ተረባሕነት ኢኮኖሚያዊ ዘረጋግፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ እውን በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም።
ኩባንያ ማዓድናት ኣኮቦ ፍርያት ወርቂ ካብ 5 ክሳብ 10 ኪሎ ግራም ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ኩባንያ ድሕሪ ምግዛእ ዋንነት ብፅሒት ዓቕሙ ናብ 50 ክሳብ 80 ኪሎ ግራም ክብ ክብል ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።
እዙይ ኢትዮጵያ ድሕሪ 100 ዓመት ንፈለማ እዋን ናብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ስቶክ ክትምለስ ምዃና ስለዘፍለጠትሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ብሞሊቶ ኤልያስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!