መንግስቲ ካብ መስከረም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ካብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ወሲኑ፡፡
ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌደራል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ መንግስቲ ኩነታት ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዓቕሚ ሃገርዝፈቕዶ ስጉምቲ እናወሰደ ይርከብ ኢሉ፡፡
በዚ ድማ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ መመሓየሺ ትሑት መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ብር 4 ሺሕን 760 ናብ ብር 6 ሺሕ ክዓቢ ክግበር ኢዩ ኢሉ።
ልዑል መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ብር 21 ሺሕን 492 ናብ ብር 39 ሺሕ ክዓቢ ከምዝግበር ኣፍሊጡ።
መበገሲ መሃያ ተመረቕቲ ዲግሪ ካብ ብር 6 ሺሕን 940 ናብ ብር 11 ሺሕን 500 ከምዝመሓየሽ እውን ገሊፁ።
ካብ ሲቪል ሰርቪስ ወፃእ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ምምሕያሽ መሃያ ከምዝግበር ኣፍሊጡ።
እዚ መመሓየሺ መሃያ ልዕሊ 160 ቢሊዮን ብር ተወሳኺ በጀት ዝሓትት ኢዩ ዝበለ እቲ ኮሚሽን፤ እዚ ድማ ንመሃያ ዝወፅእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ወፃኢ መንግስቲ 56ዐ ቢሊዮን ብር ይገብሮ ኢሉ።
ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌደራል ዘውፀኦ ሙሉእ መግለፂ ንምንባብ ቀፂሉ ዘሎ ሊንክ ይጠውቑ፦
https://www.facebook.com/100069672641659/posts/1084297830569295/?app=fbl
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!