Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ግድብ ህዳሰ ናይ ኣይከኣልን ኣመለኻኽታና ዘፍረሰ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ብምምራቑ ናይ ኣይከኣልን ኣመለኻኽታ ዘፍረሰ ድሙቕ ኣሰር ሓዱሽ ትውልዲ ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡፡

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ ብምምምራቑ ምኽናያት ብምግባር ‘ብሕብረት ክኢልና’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሕብረተሰብ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ንስራሕቲ ልምዓት መንግስቲ ዘለዎ ናእዳን ሓገዝን ብምግላፁ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ መልእኽቲ ምስጋናኦም ድማ፤ ዓወት ግድብ ህዳሰ ብረሃፅን ደምን ዝተረኸበ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግድብ ንፍፃመ ምብቅዑ ዝተረኸበ ዓወት ካብ ዓድዋ ስዒቡ ዝተመዝገበ ታሪኽ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ዘሕደሰ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ካብ ውሽጢን ደገን ዝነበሩ ዝተሓላለኹ ዕንቅፋታት ብምሕላፍ ንዓወት ምብቅዑ ፀሪሖም።

ኣብዚ ዓወት ንኽበቅዕ ናይ ለውጢ ኣመራርሓ ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በሳል ኣመራርሓ ወሳኒ ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ግድብ ንዘበናት ዝነበረ ናይ ኣይከኣን ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ዝሃንደሰ ድሙቕ ኣሰር ትውልዲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ግድብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝነበረ ያታ ማይ ዝለወጠ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.