“ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) “ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 45 መድረኽ ዘተ ጉሚ በለል ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ዘተ፥ ቀዳም ሆረ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሰንበት ሆረ ሃርሰዲ ኣብ ቢሸፍቱ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።
ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ጀሚላ ሲምቢሩን ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ሃይሉ ኣዱኛን ሓዊሱ ምሁራንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም።
ብዝተፈላለዩ ምሁራን መፅናዕ”ታዊ ፅሑፍ ብምቕራብ ዘተ ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!