Fana: At a Speed of Life!

ዓበይቲ ትልሚታት ልምዓት ኢትዮጵያ ንኩለመዳይ ዕቤት ሃገር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓበይቲ ትልሚታት ልምዓት ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ዕቤት ሃገር ንምርግጋፅ ዕዙዝ እጃም ክህልዎም ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብ30 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝህነፁ ዓበይቲ ትልሚታት ፕሮጀክት ልምዓት ምብሳሮም ይዝከር።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ግድብ መብሰሪ ምዕባለ ኢትዮጵያ መግለፂ ምብራኽ ሃገር ንምዃን ከምዝበቕዐ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያዊያን ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ብኹሉ መዳይ ብሕብረት ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦም መንፈስ ምኽኣል ኣቦ ሓጎታትና ዝገለፀ ዘኹርዕ ቃልሲ ልምዓት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ግድብ ህዳሰ ዘፈልፍሎ ቀረብ ሓይሊ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ መዳይ እናመዝገበቶ ትርከብ ናይ ልምዓት ዓወት ንምቅልጣፍ ወርቃዊ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያዊያን ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ምዝዛም እቲ ግድብ መልኪቱ ብልዑል ስምዒት ሓጎስ ምኽባሮም ብምዝኽኻር÷ ምዝዛም እቲ ግድብ ተወሳኺ ዓበይቲ ብሄራዊ ትልሚታት ፕሮጀክት ልምዓት ተግባራዊ ንምግባር መበገሲ ኮይኒ ዘገልግል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ዝህነፁ ዓበይቲ ፕሮጀክታት እውን መሰረተ ልምዓት ብምምላእ፣ ቀረብ ሓይሊ ንምዕባይ ከምኡ እውን መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.