ኢሬቻ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ኩሉ ተሳታፊ እጃሙ ንኽዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽዛዘም ኩሉ ተሳታፊ እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ ኢሉ።
ሕብረት ኣባገዳዎች ኦሮሞ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ 2018 ዓ.ም ብዝምልከት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መግለፂ ሂቡ።
ኣብ መግለፂኡ ድማ፤ ‘ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ኢሉ።
እቲ በዓል ከምቲልሙድ ብድምቀት ንኽኸበር ምድላው ከምዝተገበረ ዝገለፀ እቲ ሕብረት፤ እቲ በዓል ባህላዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ዕዱማት ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ እዚ ዓመት ቀዳም 24 መስከረም፤ ከምኡ እውን በዓል ኢሬቻ ሆረ ሃርሰዴ ንፅባሒቱ 25 መስከረም 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!