ኣብ ባሌ ዝስራሕ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ኦሮሚያ ሓሊፉ ንሃገር እውን ልዑል ግደ ዘለዎ ኢዩ – ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣብ ባሌ ዝስራሕ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ኦሮሚያ ሓሊፉ ንሃገር እውን ልዑል ግደ ዘለዎ ኢዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ወግዑ ሶፍ ዑመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ተዛቲዮም፡፡
ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ባሌ ቅድሚ ሕዚ ይፈልጣ ኢየ ነገር ግን ሎሚ ዝረአኹዎ ነገር ዝነበራን ዘለዋን ዓሚቕ ሃፍቲ ዝገልፁ ስራሕቲ ኢዮም ኢሎም።
ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ዝተገበረ ዑደት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደን ዝድነቕነ ሓሳብ ከምዝኾነ ብምልዓል÷ ናይዚ ኣካል ብምዃኖም ሕጉስ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ባሌ ዝስራሕ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ኦሮሚያ ሓሊፉ ንሃገር እውን ልዑል ግደ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኣብ ባሌ ዝነበሮም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ምትሕብባር፣ ብሓባር ምስራሕ ብቐንዱ ድማ ጥንኩር ግደ መሪሕነት ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ዝተረዱኡሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!