ልዕሊ 107 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2018 107 ሺሕን 191 ሓደሽጺ ዓማዊል ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኮይኖም ኢሉ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ጌቱ ገረመው (ኢ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣፈፃፅሙኡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 18 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣለዎ፡፡
ተጠቀምቲ እቲ ኣግልግሎት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሓደሽቲ ዓማዊል 95 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዓማዊል ቆፃሪ ድህረ ክፍሊት እንትኾኑ÷ 4 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ድማ ዓማዊል ቆፃሪ ቅድመ ክፍሊት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ፍትሓዊ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ኣብ ምርግጋፅ 14 ሓደሽቲ ናይ ገፀር ከተማታትን መንደራትን ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ኮይኖም ኢሎም፡፡