መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤ ጥዕና ኣብ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤ ጥዕና ኣብ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፥ ዘላቒ ኢንቨስትመንትን ኢኖቬሽንን ንጠንካራ ስርዓት ጥዕና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ተመዚጊቡ ኢለን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክታበት ዓሶ ንፈለማ እዋን ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፥ ኣብ ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተዛሪበን።
ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ትሕቲ 1 ዓመት ህፃናት ክታበት ምርካቦም ገሊፀን።
ብኣብዱራህማን መሃመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!