Fana: At a Speed of Life!

ምስ ምኽባር በዓል ጥምቀት ተሓሒዙ ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከየጋጥም ጥንቃቐ ንኽግበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ምስ ምኽባር በዓል ጥምቀት ተሓሒዙ ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከየጋጥም ጥንቃቐ ንኽግበር ፀዊዑ፡፡

ምስ ምኽባር እቲ በዓል ተተሓሒዙ ቦታታት ንምውቃብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓደጋ ኤሌክትሪክ ከየጋጥም ልዑል ጥንቃቐ ምግባር የድሊ፡፡

ብዙሓት ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን በፃሕቲ ዓዲን ዝሳተፉሉ በዓል ጥምቀት ብድምቀት ንምኽባር ኣደባባያትን ጎዳናናታትን ናይ ምውቃብ ስራሕ ከምዝውገን ኣብሪሁ።

እቲ ስራሕቲ ምውቃብ ካብ ዝስረሐሎም እተታወታት ፓሎታት ኤሌክትሪክ ከምዝርከቡዎም ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ምውቃብ እንትውገኑ ካብ ዓምዲታት ኤሌክትሪክ፣ ትራንስፎርመራትን መመሓላለፊ መስመራትን ብእኹል ርሕቐት ከምዝተሰርሐ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከያጋጥም ኣድላዪ ቅድመ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ እውን ኢሉ፡፡

ኣብ እዋን በዓላት ኣብ ዓምዲታት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረተ ልዓታትን ብተሽከርከርቲ ናይ ምግጫው ሓደጋ ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ ከምዝፍጠር ብምዝኽኻር፤ ኣሽከርከርቲ ግቡእ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ በዓል ምቁርራፅ ሓይሊ ብምንካይ ዘተኣማምን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምቕራበ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተወገኑ እቲ ትካል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.