Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ኣመራርሓን ጎስጓስ ህዝቢን ዘይፈትሖ ሕቶ ልምዓት የለን – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተዋደደ ኣመራርሓን ጎስጓስ ህዝቢን እንተሃሊዩ ዘይሕለፍ ጎቦ፣ ዘይፈታሕ ሕቶ ልምዓት የለን ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቶ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡

ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና ዝተኻደ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ፓርቲ በጀት ዓመት 2018 ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቲ መድረኽ ካብ ዝሓለፉ ዓወታትና ልምዲ ዝተወሰደሉ፣ ድኽመታት ብኣምር ብልፅግና ዝተመዘነሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ፓርቲና ብዝበለፀ ዘጠናኽሩን ተረባሕነት ህዝብናን ዘረጋግፁ ተግባራት ብቖራፅነት ንምፍፃም ኣንፈት ዘቐመጥናሉ ነይሩ ኢሎም።

ድሕሪ እቲ መድረኽ ኣብ ዞባ ከምባታ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ፓርቲ ብልፅግና ከምዝተመልከቱ ብምግላፅ÷ ህዝቢ ከምባታ ዝፍለጠሉ ህርኩትነት፣ ትምህርቲን ስራሕ ምፍታውን ከምኡ እውን ክብሪ ምቕባል ጋሻ ንናይ ሎሚ ዓወትና ልዑል መሰረት ከምዝኾነ ዳግም ኣረጋጊፅና ኢሎም።

ኣብ ሃምበሪቾ 777 ዝተመልከትናዮ ኣዚዩ ማራኺ ተፈጥሮ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀጋ ተፈጥሮ ናብ ልምዓትን ቱሪዝምን ናይ ምልዋጥ ጥበብ እውን ኢዩ ኢሎም።

ዝተዋደደ ኣመራርሓን ጎስጓስ ህዝቢን እንተሃሊዩ ዘይሕለፍ ጎቦ፣ ዘይፈታሕ ሕቶ ልምዓት ከምዘየለ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣናዮም ስራሕቲ ልምዓትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ዘረጋግፅ ሓደ ዓብዪ ሓቂ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.