ቀደማይ ሚኒሰትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ወረዳ ሱርማ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ከፊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብቤት ፅሕፈት ቀደማዊት እመቤት ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ሱርማ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ከፊቶም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ እንትንርከብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝህሉ ዕብየት ዓውዲ ትምህርቲ ዓብዪ ተግባር ብምዃኑ ታሕጓስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብቐዳምነት ካብቲ ከባቢ ንዝመፅኡ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ብምዃን ከምዘገልግል ሓቢሮም።
ቀፅሪ ‘ቲ ቤት ትምህርቲ ናይ መምሃሪ፣ መሕደሪ ክፍሊታት፣ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ እኹላት ኮምፒውተራት፣ ናይ ኮምፒውተር ላብራቶሪ፣ ጉድጓድ ፅሩይ ማይ፣ ዝተማልአ ምግቢ መብሰሊ ክፍሊ፣ ቤተ መፃሕፍቲን ምምሕዳር ህንፃን ብምክታት ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ሙሉእነት ዘለዎ ናይ ትምህርቲ ከባቢ ናይ ተምሃሮ ኣካዳሚያዊ ምርምርን ድሕንነት ንምርግጋፅ ተሓሲቡሉ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ንኩለ መዳይ ምዕባለ መናእሰይ ተምሃሮ ደቅና ሓዱሽ ዕድል ዝፈጠረ ትካል ኢዩ ኢሎም።