Fana: At a Speed of Life!

ገበታ ቱሪዝም…

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመሩ ፕሮጀክት ገበታ ንሸገር፣ ገበታ ንሃገርን ገበታ ንትውልዲን ዓውዲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብመሰረታዊነት እናቐየሩ ይርከቡ፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ሓደ እምኒ ካብ ዝተፀረቡ ውቑር ኣቢያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ጀሚሩ ክሳብ ጥያ ትኹል እምኒ፣ ካብ ሶፍ ዑመር ዋሻ ክሳብ ጎንደር ኣብያተ መንግስታት፣ ካብ ሓወልቲ ኣኽሱም ክሳብ መካበቢያ ሃረር ብዙሓት ታሪኻዊ፣ ባህላኻ ተፈጥሮኣዊን ሓድጊታት ዝወነነት ኢያ።

ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ብሓድጊ ዓለም ዘመዝገበት እንትትከውን፥ ብፍላይ በዓላት ጥምቀት፣ መስቀል፣ ፊቼ ጫምበላላን ስርዓት ገዳን ሓዊሱ እዞም ሓድጊታት ተመራፂት መናሃሪያ መስሕብ ቱሪዝም ንኽትከውን ሓጊዙ ኢዩ።

እዞም ዓቕሚታት ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይን ሰፊሕ ዕድል ስራሕን ብምፍጣር ንዕቤት ኢኮኖሚ እታሃር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መልክኣ ምድሪታ ህያው ባህላ ናይ ጉዕዞ መብፅሒት ኮይና ብዝበለፀ ንኽትቅፅል ድሕሪ ለውጢ ኣብ መሰረተ ልምዓ ቱሪዝም እናተሓደሰት ትርከብ፡፡

ኣዚዮም ዝወቀቡን ናይ ባዕሎም ከባቢታትን ብድምሩ ምስሊ ሃገር እናቐየሩ ዝርከቡን ሪዞርታት ብምልማዕ ተሓቢኦም ዝነበሩ ዓሞቕቲ መስሕባት፣ መልክኣ ምድሪታት፣ ፓርክታትን ታሪኻዊ ቦታታትን እናቐልዐት ትርከብ።

ኣብዚ መዳይ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሓንፀፁ ፕሮጀክታት ገበታ ንሸገር፣ ገበታ ንሃገርን ገበታ ንትውልዲን ምስሊ ዓውዲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ እናቐየሩ ይርከቡ።

ብኢኒሼቲቭ ገበታ ንሃገር ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ፕሮጀክታት ጎርጎራ፣ ሃላላ ኬላ፣ ጨበራ ጩርጩራን ወንጪን ነቶም ከባቢታት ተደማሪ ዓቕሚ ቱሪዝም ፈጢሮም ኢዮም፡፡

ብምቕፃል ሸወረዓተ ፕሮጀክታት ገበታ ንትውልዲ ዝተጀመሩ እንትኾኑ፤ እዚኣቶም ድማ ካልኦት ክልላት ሓዊሱ ኣብ ክልላተ ትግራይ፣ ሶማሊ፣ ዓፋርን ደቡብ ኢትዮጵያን ዝተጀመሩ ይርከቡዎም።

እዞም ኢንሼቲቮች ካብ ቢሮ ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ሃገር እናሰፍሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ መስሕባት፣ መልህዓ ምድራዊ ፅባቐታትን ፓርክታትን ብመሰረተ ልምዓታት ብምትእስሳር ሓደሽቲ ዕድላት ቱሪዝም ንኽኽፈቱ ባይታ እናፈጠሩ ይርከቡ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.