Fana: At a Speed of Life!

ኮሪደር ገፀር ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ኣብ ምልዋጥ ልዑል ግደ ዝፃወት ሃገራዊ ስራሕ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሪደር ገፀር ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ኣብ ምልዋጥ ልዑል ግደ ዝፃወት ሃገራዊ ስራሕ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሎሚ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ጉራፈርዳ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዝተሰርሑ መንደራት ሞዴል ኮሪደር ገፀር ጎብኒና ኢሎም።

እቲ ሞዴል ስራሕ ሕድሕዶም ሳሎን፣ መደቀሲ ክፍሊታት፣ ናይ እንስሳት መሕደሪን መናፅሂን ዘለዎም ዓሰርተ ዘበናዊ ገዛውቲ ዘካተተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምስ መስመር ኤሌክትሪክ ዝተተሓሓዙን ናይ ሳተላይት ዲሽ ዝተገጠመሎምን ከምዝኾኑ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ እቲ ቀፅሪ መራብሒ ደርሁ፣ ደምበ እንስሳት፣ ቆፎታት ንህቢ ኢሉ እውን ብፍረምረን ኣትክልቲን ዝተመልኡ ገደናታት ኣለዉዎም ኢሎም።

ሓይሊ ፀሓይ፣ ባዮጋዝን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ብምጥቃም ብምውዳድ ዝተተግበረ ስራሕ ኮሪደር ልምዓት ገፀር ንማሕበረሰብ ዘበናዊ፣ ጥዑይን፣ ንፁህን ንሜላ ዝሐሸ ናብራ ጥንኩር ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

እዚ ስራሕቲ ለውጢ ብኹሉ መዳይ ንኽሰፍሕ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.