Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኣዋሽ ብዲጂታል ስርዓተ ክፍሊት 1 ትሪሊየን ብር ክፍሊት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብዲጂታል ስርዓተ ክፍሊት ባንኪ ኣዋሽ ዝተገበረ መጠን ክፍሊት ሓደ ትሪሊን ብር በፂሑ።
እቲ ባንኪ ካብ ሎሚ ጀሚሩ “ንዝለዓለ ዕግበት ዓማዊል ንፅዕር” ብዝብል ቴማ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሐ ሰሙን ዓማዊል ከካይድ እዩ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ኣዋሽ ፀሃይ ሽፈራው፥ እቲ ባንኪ ምስ ዓማዊል ዘለዎ ርክብ ዝያዳ ንምጥንኻር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ መላእ ሃገር ብዝርከቡ 1000 ጨናፍርን 24 ሰዓታት ዲጂታል ባንኪን ኣቢሉ ንዓማዊሉ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡
እቲ ባንኪ ብፈጠራ ስራሕ ኣፍፈይቲ ሓቦም ናብ ቢዝነስ ክቕይሩ ኣብ ምኽኣል ረኡይ ለውጢ ምምዝጋቡ ኣረዲኦም፡፡
ብሔኖክ ለሜ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.