10 ሺሕን 934 ሕፁያት ኣብ መረፃ ንምውድዳር ቀሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመዝገቡ 47 ፓርቲታት 10 ሺሕን 934 ሕፁያት ኣብ መረፃ ንምውድዳር ቀሪቦም ኢሉ፡፡
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ ካብ ፅባሕ 28 ለካቲት ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ምዝገባ መረፅቲ ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብ ከይዲ ምዝገባ 18 ዓመት ዝመልኦ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ከባቢኡ 6 ወር ዝነበረን ብፍሉይ ኩነታት መረፃ ዘይተኸልከለን ዜጋ ኩሉ ክሳተፍ ከምዝኽእል ተዛሪበን፡፡
ብኣምደወርቅ ሽባባው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!