Fana: At a Speed of Life!

ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሊቀጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነየሱስ ኣብ መልእኽቶም÷ መላእ ህዝበ ክርስቲያንን ህዝቢታት ሃገርናን፣ ኣብ መላእ ዓለም ትነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ወገናት እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

መሰረት ክርስትናና ዝኾነ በዓል ብግቡእ እነኽብሮ ልኡኽቶ ክርስቶስ ብግቡእ ብዝተረዳእና መጠን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

እቲ በዓል እንትነኽብር ምስጢር ትንሳኤ ጎይታ ንምርዳእ፣ ንምስታፍን ንምንባርን ኢዩ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ÷ ልዕሊ ኩሉ ድማ በዓል ትንሳኤ መዓልቲ ትንሳኤ ክርስቲያናት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ በዓል ምስ ፅጉማት፣ ሓብሓቢ ምስ ዘይብሎም፣ ኣብ ጎሰናን መዕቖቢ ቦታታትን ንዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝን ብምርዳእን ምኽባር ይግባእ ክብሉ ምትሕስሳቦም እውን እታ ቤተክርስቲያን ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኸቶ ሓሬታ ኣመልኪታ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.