ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ቄስ ደረጄ ጀንበሩ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ቄስ ደረጄ ጀንበሩ ኣብ መልእኽቶም÷ በዓል ትንሳኤ ፅልኢ ብፍቕሪ ከምኡ እውን ሕነ ምፍዳይ ብይቕሬታ እንስዕረሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል እንትነኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምርዳእን መኣዲ ፍቕሪ ብምክፋልምን ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብታ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ንኸዓስልን ሕድነት ህዝቢታት ንኽጠናኽርን ኩሉ ብቅንዕናን ብተኣማንነትን ንኽሰርሕ ፀዊዖም።
ብየሻምበል ምህረት