Fana: At a Speed of Life!

ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ንህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ካብ ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ዋና ዋና ትካላት ፋይናንስን ፍሉጣት ኩባንያታትን ልዑል ሓገዝ ረኺባ።

እቶም ትካላት ኣብ ዋሽንግተን መድረኽ ፋይናንስ ሮድሾው ነቲ ፕሮጀክት ሓገዝ ከምዝገብሩ ዝገለፁ እንትኾኑ÷ እቲ ሓገዚ ኣብ ኣፍሪካ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ኣቪዬሽን ሓደ ዝኾነ ዓለም ለኸ መዕፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ጋህዲ ንምግባር ዝተወሰደ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ መመሓየሺ ኢኮኖሚን ዕቤትን ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ገሊፆም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን÷ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንንግዲን ኢንቨስትመንትን ከም መነቓቕሒ ከምዘገልግል ተዛሪቦም።

ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ከም ዓብዪ ዓምዲ ኮይኑ ዘገልግል ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ምድጋፉ ንላዕሊ ንኩባኒያታት ኣሜሪካ ሰፊሕ ዕድል ንግዲ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ብግደኦም÷ እቲ ፕሮጀክት ምስ ትካላት ኣሜሪካ ዘሎ ዝፀንሐ ምሕዝነት ብምጥንኻር እናዓበየ ዝመፅአ ዓለም ለኸ ድሌት ትራንስፖርት ንምዕጋብ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እቲ ፕሮጀክት ዋና መተሓባበሪ ፋይናንስ ኣብ ዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ፋይናንስ ኣፍሪካ ሃሳቱ ሴሌ፤ ኣዋፃኣይነትን ኣህጉራዊ ረብሓን እቲ ፕሮጀክትን ጠሚቶም ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ገለፃኦም ድማ እቲ ፕሮጀክት ጥንኩር መሰረት ዘለዎ፣ ዘዋፅእን ልዑል ፅዕንቶ ዘለዎን ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ዞባዊ ምትእስሳር ካብ ምጥንኻሩ ብተወሳኺ ተወዳዳራይነትን ከምዝውስኽን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዘላቒ ዕቤት ከምዘሳልጥን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.