ኣብ እዋን ለውጢ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምስፋሕ ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ – ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሕርሻ ካብ ባህላዊ ሜላ ኣተሓራርሳ ናብ ሜካናይዜሽን ንምስግጋር ብዙሓት ስራሕቲ ተወጊኖም ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ፡፡
ገምጋም ኣፈፃፅማ ሳልሳይ 100 መዓልቲታትን ትሽዓተ ኣዋርሕን በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።
ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ እቲ መድረኽ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ቅድሚ ለውጢ ማሽነሪታት ሕርደሻ ዘበረታትዕ ፖሊሲ ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም።
በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ቀረፅ ናፃ ምእታው፣ ንሓረስቶት ብልቓሕ ናይ ምቕራብ ከምኡ እውን ስልጠና ሓይሊ ሰብ ትኹረት ብዘይምርካቡ ቁፅሪ ማሽነሪታት ሕርሻ ትሑት ከምዝነበረ ፀሪሖም፡፡
ብኣንፃሩ ኣብ እዋን ለውጢ መንግስቲ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምጥንኻር ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 27 ሺሕ ትራክተራት፣ ልዕሊ 8 ሺሕ ኮምባይነራት ከምኡ እውን ልዕሊ 280 ሺሕ ብሞተር ዝሰርሓ ፓምፕታት ማይ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ዓውዲ ሕርሻ ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ብምንጋፍ ናብ ሜካናይዜሽን እናተሰጋገረ ከምዝኾነ መርአያ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ስራሕቲ ሜካናይዜሽን ሕርሻ 72 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርአየ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብትራክተር ዝለምዐ መሬት ናብ 7 ሚሊየን ዝተፀገዐ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ካብ ዝለምዐ መሬት ሲሶ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ብኣቤል ነዋይ