Fana: At a Speed of Life!

ንሃገር ዝሓሸ ይሰርሕ ንዝበልናዮ ፓርቲ ድምፂ ንምስማዕ ተዳሊና- መንእሰያት

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሸ ይሰርሕ እዩ እንብሎ ፓርቲ ድምፅ ንምሃብ ተዳሊና ኢሎም መንእሰያት ከተማ ኣርባ ምንጭ፡፡
መንእሰይ ለምለም ተስፋይ ንሃገርን ህዝብን ብልምዓት ንቕድሚት ይሰጉም ንዝበሎ ፓርቲ ድምፂ ንምሃብ መዓልቲ መረፃ ትፅበ ከምዘላ ተዛሪባ።
እቲ መረፃ ዲሞክራስያውን ሰላማውን ክኸውን እጃማ ንምፍፃም ድልውቲ ምዃና ገሊፃ።
እታ ካልእ መንእሰይ ተመስገን ብወገና ኣብ ዲሞክራስያዊ መረፃ ሓደ ድምፂ ዋጋ ከም ዘለዎ ስለ ዝርዳእ ካርዳ ብግቡእ ከም እትጥቀመሉ ተዛሪባ።
መንእሰይ እሱባለውን ኣማኑኤል ኣብዮትን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ሃገር ዝመርሕ ውድብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ብናፅነትን ከም ዝምረፅ ኣልዒሎም።
ኣብ መፃኢ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ብንቕሓት ንምስታፍ ይኾነና እዩ ዝበልዎ ፓርቲ ንምምራፅ መዓልቲ ድምፂ እናተፀበዩ ከምዘለው ተዛሪቦም፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.