ልኡኽቶ ምኽቫር ሰላም ብመንፈስ ኢትዮጵያዊነት ምፍፃም ይግባእ – ጀኔራል ኣበባው ታደሰ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ልኡኅቶ ምኽባር ሰላም ብመንፈስ ኢትዮጵያዊነት፣ ብፍፁም ህዝባዊነትን ወታደራዊ ፕሮፌሽናሊዝምን ምፍፃም ይግባእ ኢሎም ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጀኔራል ኣበባው ታደሰ።
ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ምኽባር ሰላም ሁርሶ ኮንቲንጀንት ንመበል 20 ዙር ዝሰልጠኑ ዓቀብቲ ሰላም ሰላም ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም።
ጀኔራል ኣበባው ታደሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ተመረቕቲ ዝተውሃቦም ልኡኽቶ ብብቕዓት ብምፍፃም ሰናይ ክብሪታት እቲ ሰራዊት መሰረት ብምግባር ብጎንፂታት ተጎዳእቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ክሕልዉ ኣለዎም።
ኢትዮጵያ ንዓለም ሰላም ብዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ስማ ብድሙቕ ቀለም ከምዝተፅሓፈ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት መበል 80 በዓል ምስረታ ዝተውሃባ ኣፍልጦ ናይዚ መርአያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብብርኪ ዓለም፣ ኣህጉርን ኣብቲ ዞባ እናዓበየን እነተሓላለኸን ከምዝመፅአ እውን ገሊፆም።
እዚ ድማ ምስ ብሄራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ብቐጥታ ምትእስሳር እናፈጠረ ብምኻዱ ብዝለዓለ ድልዉነትን ብቕዓትን ተልእኾኦም ንኽዋፅኡ ምትሕስሳቦም ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።