ፓርቲታት ናይ ፖሊሲ ኣማራፂ ሓሳቦም ንህዝቢ ዘፋልጡሉ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ተወሳኺ ስራሕ ተወጊኑ – ቦርድ መረፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲታት ናይ ፖሊሲ ኣማራፂ ሓሳቦም ንህዝቢ ንምፍላጥ ዝኸኣሉሉ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ጭቡጥ ተግባራት ተሳሊጦም ኢለን ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 47 ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብሓፈሻ 10 ሺኽን 934 ሕፁያት ብምምዝጋብ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሉ ናይ ፖሊሲ ኣማራፂ ሓሳቦም ንህዝቢ ብስፍሓት ናይ ምፍላጥ ስራሕ ተሰሪሑ።
ፓርቲታት ፖለቲካ ቦርድ መረፃ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ንክትዕ መረፃ ብ19 ዙር ዘካየደ እንትኸውን÷ እቲ ክትዕ ድማ ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መራኸብቲ ሓፋሽ ናብ መራፂ ህዝቢ ክባፃሕ ተገይሩ።
ወ/ሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ÷ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲታት ኣማራፂ ፖሊሲ ሓሳቦም ንረብሓ ህዝቢ ከፋልጡ ዝኸኣሉሉ መድረኽ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።