Fana: At a Speed of Life!

ምሁራን ትካላት ትምህርቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱሉ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዕዉትነት ከይዲ ሃገራዊ ዘተ መንግስታዊ፣ ናይ ውልቀን ሃይማኖታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምሁራንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዋና ሃገራዊ ጉባኤ ዝቐርቡ ረቀቕቲ ኣጀንዳታት ብዝምልከት ምስ ተሓባበርቲ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ፡፡

መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ኮሚሽን ብዓወት ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ እቲ ከይዲ ንኽዕወት መንግስታዊ፣ ናይ ውልቀን ሃይማኖታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምሁራንን ዝነበሮም ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ኩለን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ትካላትን ማሕበራትን፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ወረዳታት፣ ፓርታት ፖለቲካ፣ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ፣ ትካላት መንግስቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዝተወገነ ገሊፆም፡፡

እቲ ከይዲ ካብ ዝነበሮ ትልሚ ብዓወት ተወጊኑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር÷ እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ንዝካየድ ዘተ ሃገራዊ ጉባኤ መሰረት ዝተነበረሉ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተወገነ ዝርከብ ሓዱሽ ምዕራፍ እቲ ኮሚሽን ዘሰናደኦምን ዝወደቦምን ረቀቕቲ ኣጀንዳታት ንተሓባበርቲ መዳርግቲ ኣካላት እናቕረበ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብሳራ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.