ድፅና ንመሃብ ነታ ዕለት ብሃንቀውታ ንፅበ ኣለና – ነበርቲ ከተማ ሃረር
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝቕጥል 24 ግንቦት ንሃገር ዝጠቕም ንምምራፅ ነታ ዕለት ብሃንቀውታ እናተፀበና ንርከብ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ሃረር፡፡
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃሒት ዝገበሩ ነበርቲ ከምዝበሉዎ÷ መረፃ ንሰላምን ልምዓትን ሃገር ከምኡ እውን ዴሞክራሲ ንምጉልባት ልዑል ረብሓ ኣለዎ።
ናይዚ ዓመት መረፃ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ዕዉት ንምግባር ብዙሓት ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እውን ኣልዒሎም፡፡
መረፃ ሃገር ናይ ምፍታው ሓደ ተግባራዊ መርአዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ምሃብ ድምፂ ዕለት ድምፅና ንምሃብን ንሃገር ይጠቅም ኢዩ ኢልና ዝኣመንናሉ ንምምራፅ ነታ ዕለት ብሃንቀውታ ንፅበ ኣለና ኢሎም፡፡
ብተስፋዬ ሃይሉ